ትግርኛ / Tigrinya COVID-19፡ ንሳናቡእን መተሓላለፊ ሻምብቆን ከጥቅዕ ዝኽእል ሓድሽ ዓይነት ሕማም እዩ። ቫይረስ ኮሮና ብዝጽዋዕ ቫይረስ ድማ ዝመጽእ እዩ።ከምዚ ዝስዕብ ምልክታት እንተልይኩም፥• ልዑል ሙቐት ሰብነት – ኣብ ኣፍልብኹም ወይ ሕቖኹም ምስእትትንክፍዎ፡ ሙቐጥ ምስዝስምዓኩም• ሓድሽ ዝኾነ እሞ ኸኣ ዘየቛርጽ ሰዓል – እዚ ማለት ብተደጋጋሚ ክትስዕሉ እንተጀሚርኩም፡ካብ ገዛ ኽትወጹ የብልኩምን። ካብ ገዛ ዘይወጸሉ ግዜ ክንደይ እዩ፧• እዚ ምልክታት ሕማም ዘለዎ ዝኾነ ሰብ፡ እንተወሓደ ን7 መዓልታት ካብ ገዛ ኽወጽእ ኣይግባእን።• ምስ ካልኦት ሰባት ትቕመጡ እንተዄንኩም፡ ነቲ ረኽሲ ካብ ገዛ ወጻኢ ናብ ዝኾነ ቦታታት መታን ከየላብዕዎ፡ እንተወሓደ ን14 መዓልታት ካብገዛ ክወጹ ኣይግባእን።• ድሕሪ 14 መዓልታት፡ እቲ ምልክታት ሕማም ዘይብሉ ምሳኹም ዝቕመጥ ዝኾነ ሰብ፡ ናብ ንቡር ስርሑ ክምለስ ይኽእል እዩ።• ኣብ ገዛኹም ዝቕመጥ ዝኾነ ሰብ፡ እዚ ምልክታት ሕማም እንተልይዎ፡ ካብቲ ምልክታት ሕማም ዝጀመረሉ መዓልቲ ጀሚሩ ን7 መዓልታትካብ ገዛ ኽወጽእ ኣይግባእን። ዋላ’ውን ንልዕሊ 14 መዓልታት ካብ ገዛ ዘይወጹ እንተኾኑ’ውን፡ ናይ ግድን ኸምኡ ኽግበር ኣለዎ።• 70 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ምስ ዝገበረ ዓቢ ሰብ፣ ሕዱር ሕማም ምስዘለዎ ሰብ፡ ከምኡውን ምስ ጥንስቲ ወይ ዝተዳኸመ ስርዓተ-ምክልኻል ምስዘለዎ ሰብ ትቕመጡ እንተልይኹም፡ ን14 መዓልቲ ምስኦም ክጸንሕ ዝኽእል ሰብ ክትረኽብሎም ፈትኑ።• ኣብ ሓደ ገዛ ብሓባር ኣብ እትቕመጥሉ ግዜ፡ ብዝተኻእለ መጠን ካብ ንሓድሕድኩም ተረሓሒቕኩም ተቐመጡ። 2 ካብ ገዛ ብዛዕባ ዘይምውጻእ ዝውሃብ ምኽሪ ናብ ስራሕ፡ ቤት ትምህርቲ፡ ቦታታት ሓፈሻዊሕክምና፡ ቤት መድሃኒት ወይ ሆስፒታል ኣይትኺዱ ንዓኹም ተባሂሉ ንእተሓዝኤ መሳለጥያታትተጠቐሙ ወይ ቅድምን ድሕርን ምጥቃምኩም ኣጽርይዎ ምስ ካልኦት ሰባት ጥቡቕ ዝኾነ ርክብኣይሃልውኩም ምግብን መድሃኒታትን ብኻልእ ሰብ ናብገዛኹም ከምዝመጽእ ግበሩ ኣጋይሽ/በጻሕቲ ክመጽኹም የብሎምን እንተተኻኢሉ ንበይንኹም ደቅሱ ኣእዳውኩም ብቐጻሊ ተሓጸቡ ብዙሕ ማይ ስተዩ ነቲ ምልክታት ሕማም ኣብ ምጉዳል መታንክሕግዘኩም ፓራሲታሞል ውሰዱ 3ንሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና (NHS 111) ዝውከሰሉ ግዜ መዓስ እዩ፧• ከም ምዕዛብ ተለቪዥን፡ ምጥቃም ተሌፎን፡ ምንባብ ወይ ካብ ዓራት ምትንሳእ ዝኣመሰለ፡ መዓልታዊ እትገብርዎ ነገር ኽትገብሩ ዘይኽእሉኣዚኹም ምስኣትሓሙ• ነቲ ምልክታት ሕማም ኣብ ገዛ ኴንኩም ንኽትቖጻጸሩ ምስዘይትኽእሉ• ኲነታትኩም እናኸፈኤ ምስዝኸይድ• እቲ ዘለኩም ምልክታት ሕማም፡ ድሕሪ 7 መዓልታት ምስዘይመሓየሽ’ዩንNHS 111 ብኸመይ ክውከስ ይኽእል፧እቲ ቀጺልኩም ኽትገብርዎ ዘለኩም ነገር ንምፍላጥ፡ ንብቐጥታ ንዝውሃብ ኣገልግሎት ቫይረስ ኮሮና NHS 111 ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም።ንቐጥታዊ ኣገልግሎታት ክትረኽቡ ምስዘይትኽእሉ፡ ናብ 111 ክትድውሉ ትኽእሉ ኢኹም (እዚ፡ ብናጻ ዝድወለሉ ቊጽሪ ተሌፎን እዩ)።ንቛንቋኹም ዝትርጉም ኣስተርጓሚ ንኽቕረበልኩም ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። ብዛዕባ ዘሎኒ ኲነታት ኢሚግሬሽን ተሸጊረ ምስዝህሉ’ኸ እታ ዘጋጥመኒ ነገር እንታይ እዩ፧ንቫይረስ ኮሮና ዝምልከት ኲሉ ኣገልግሎታት NHS፡ ኣብ ዩናይትድ ኪንግዶም ንዝርከቡ ሰባት እሞ ኸኣ ዝኾነ ዓይነት ኲነታት ኢሚግሬሽንይሃልዎም ንዂሎም ብናጻ ዝውሃብ እዩ። እዚ ድማ ዋላውን እቲ ውጽኢት ሕማም ከምዘይብልኩም ይተሓበር፡ መርመራን ሕክምናን ቫይረስኮሮናን ዘጠቓልል እዩ። ሆስፒታላት NHS፡ ነቶም ንCOVID-19 ዝምልከት መርመራ ወይ ሕክምና ንኽግበረሎም ዝቕበላኦም ሰባት፡ ኣብ ልዕሊዘለዎም ኲነታት ኢሚግሬሽን ፈተሻ ኽገብራ ከመይብለን ተሓቢርወን እዩ። ንለበዳ ቫይረስ ኮሮና ጠጠው ኣብ ምባል ንኽሕግዝ እንታይ ኽገብር ይኽእል፧• ሳሙናን ማይን ገይርኩም እንተወሓደ ን20 ካልኢታት ንኣእዳውኩም ብቐጻሊ ሕጸቡ• ካብ ገዛ ከይትወጹ ንዝብል ምኽሪ ተኸተሉእዚ ምኽሪ’ዚ፡ ብNHS ኣብ ዝውሃብ ምኽርን ሓበሬታን ምርኩስ ዝገበረ እዩ፣ መበቆል ሃገር ብዘየገድስ፡ ኣብ ዩናይትድ ኪንግዶም ንዝቕመጥ ዝኾነ ሰብዝውሃብ ምኽሪ እዩ። ንዝያዳ ሓበሬታ፥• መምርሒ NHS፥ https://www.nhs.uk/conditions/coronavirus-covid-19/• ጽሑፋት ቢግ ሊፍ (Big Leaf)፥ https://www.bigleaffoundation.org.uk/covid-19-advice.htmlሕታም 2 [16.03.2020] / version 2 [16.03.2020]